Tigrinjaksi: Mikä on Kodin ja Koulun Päivä?

መዓልቲ ገዛን ቤት ትምህርትን እንታይ ይመስል፧   

ካብ ቤት ትምህርቲ ናይ ዕድመ መደብ እተደኣ መጺኡኩም፡ ተሳታፍነትኩም ክብሪ ይህልዎ!

ብዙሓት ኣብያተ ትምህርቲ ፊንላንድ ዓመት መጸ መዓልቲ ገዛን ቤት ትምህርትን (Kodin ja Koulun Päivä) የዳልዋ እየን። ወለዲ ምስ ቤት ትምህርቲ ዉላዶም ዝላለይሉን ንመምህራንን ሰራሕተኛታትን ድማ ዝረኽብሉ ከምኡ’ዉን ምስ ካልኦት ወለድን ቆልዑን ዝፋለጥሉ ዘይወግዕዊ ናይ ምዝናይ መደብ እዩ። ኣብዚ መዓልቲ ገዛን ቤት ትምህርትን ደቅኻ ኣበይን ምስ መንን ከም ዝመሃሩ ክትዕዘብ ትኽእል ኢኻ።  

መብዛሕትአን ኣብያተ ትምህርቲ ነዚ መደብ’ዚ ኣብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም ዘካይደኦ ኮይነን፡ ኣብ ካልእ እዋን ክካየድ ግን ይከኣል እዩ። እዚ መደብ’ዚ ኣብ መዓልታት ትምህርቲ፡ ምሸት ወይ ዉን ኣብ ቀዳመ-ሰንበት ክካየድ ይኽእል።  

ገለ ኣብያተ ትምህርቲ ነዚ መደብ ብዝተፈላለየ ንጥፈታት ንኣብነት ብምርኢት ትልሂት፡ ብሓባር ዝጽወቱ ጸወታታት፡ ብንባብ፡ ናብ ጫካ ብዝግበር ግዕዞ ወይ ዉን ናይ ብሽክለታ ጽገና ይጽምብለኦ። ኣብ ገለ-ገለ ድማ ቡን ምናልባት እውን ዝብላዕ ነገር የቕርባ። ኣብ ገለ ኣብያተ ትምህርቲ፡ መምሃሪ ክፍልታት ክትዕዘብ ትኽእል ኢኻ። ኣብቲ ዝመጻካ ዕድመ ኣብ ቤት ትምህርትኻ ዝግበር ንጥፈታትን ዝካየደሉ እዋንን ይሕብረካ እዩ።   

ኣብዚ መደብ’ዚ ንምስታፍ ዕድመ ምስ ዝመጸኩም፡ ክትሳተፉ ኣጥቢቅና ኢና ንላቦ። ንቋንቋ ፊንላንድ/ሽወደን ዋላ ኣይትምለኮ’ደኣምበር ክትሳተፍ ትኽእል ኢኻ። እቲ ሓበሬታ ኣብ ጽቡቅ ግዜ እንተረኺብካዮ፡ ካብ ስራሕ ዕረፍቲ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ኣብ ፊንላንድ፡ ብቤት ትምህርቲ ኣብ ዝዳሎ መደባት ወለዲ ክሳተፉ ጽቡቕ ምዃኑ ይእመን።  

ወለድን መምህራንን ንሓድሕዶም ክፋለጡን ክተሓባበሩን ጥቕሚ ኣለዎ። መደብ መዓልቲ ገዛን ቤት ትምህርትን ንሓድሕድና ንምፍላጥ ቀሊል መገዲ እዩ። ፊት ንፊት ምስ ተራኸብካ ምስ ካልኦት ዝምድና ክትፈጥር ዝቐለለ ይኸዉን። ንቆልዑ ድማ ወለዶም ክሳተፉ ኣገዳሲ እዩ!  

ብዙሓት ቤት ትምህርታት ማሕበራት ወለዲ ኣለወን። ኣብ መዓልቲ ገዛን ቤት ትምህርትን፡ ኣብቲ ናይ ውላድኩም ቤት ትምህርቲ ከምዚ ዓይነት ማሕበር ወለዲ እንተሃልዩ ክትውከሱን እንታይ ዓይነት ንጥፈታት ይገብሩን ብኸመይ ክትሳተፉ ከም እትኽእሉን ድማ ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም። ኩሎም ወለዲ ኣብ ንጥፈታት ማሕበር ወለዲ ክሳተፉ ወትሩ ድሉዋት ኢና! ብዙሓት ማሕበር ወለዲ ምስ ቤት ትምህርቲ ብሓባር ብምዃን ንመደባት መዓልቲ ገዛን ቤት ትምህርትን ንጥፈታት የዳልዋ።

www.kodinjakoulunpaiva.fi